Jump to content

User:Mustafa Ibrahim12

From Wikipedia, the free encyclopedia

ኣሰላሙ ዓለይኩም ወረሕመቱላሂ ወበረካቱ

======= ሰደቓ =======

ምስ ሞትና ንጥቕለሉ ከፈን ጁባ ስለ ዘይብሉ ገንዘብና ኣብ ጁባና ሒዝናዮ ክንከይድ ኣይንኽእልን። ግን ገንዘብናን ንብረትና ኣቐዲምና ናብ ኣኼራ ክነሕልፎ ንኽእል ፣ ቀንዲ ናብ ኣኼራ ክነሕልፈሉ ንኽእል ናይ ሓዋላ መንገዲ ካኣ ሰደቓ እዩ ።

ሓቢብና ወ_ ቃኢዲ ወ_ ኡስወቲ ኣሽረፈል ኸልቅ ረሱለላህ ( ሰለዋቱ ረቢ ወሰላሙሁ ኢለይሂ) ከምዚ ይብሉ .......

ሰደቓ ዝህብ ሰብ ናይ ቀብሪ ሃሩር ( ጭንቀት) ተጥፍኣሉ፣ ሙእሙኒ ኣብ ምዓልቲ ትንሳኤ ኣብ ትሕቲ ሰደቓ እዩ ዘጽልል።/ ሓዲስ ኣልባኒ ሰሒሒ/

ሰደቓ ብገንዘብ ጥራሕ ኣይኮነን

ጥዑም ዘረባ ሰደቓ እዩ!

ንሓዉካ ብፍሸኽታ ( ብቡሩህ ገጽ) ምቕባል ሰደቓ!

ኣቕሓ ተሸከመ ሰብ ምሕጋዝ ሰደቓ እዩ!

ንሰባት ዘዕንቅፍ ነገር ካብ መንገዲ ምእላይ ሰደቓ እዩ ንዝጸመኣ ማይ ምስታይ ሰደቓ እዩ!

ኣላህ ኣዕለም!

ረቢ ኸይር የስራሓና ......ኣሚን

ሙስጣፋ ኢብራሂም