Jump to content

User:Yemane Abadi Tigray

From Wikipedia, the free encyclopedia

ታሪኽ ገድሊ ጻድቕ ኣቡነ–እንድሪያስ (ዘደብረ ጽገ ሰፍኣ) “መዘከርታ ጻድቕ ንበረኸት’ዩ” ምሳ 10፡7

                         ትውልዶምን ኣተዓባብዮምን
      ኣቡነ እንድሪያስ ካብ ዘኣማኑኤልን ኣመተ መንፈስቅዱስን ዝተባህሉ ፍርሃት እግዚኣብሔር ዝነበሮም ብቅድስና ንእግዚኣብሔር ዘገልግሉ ዝነበሩ ስድራ ቤት ብ 1 ግንቦት 1235 ዓ/ም ግእዝ  ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ከተማ መቐለ ንሽነኽ ምብራቕ ወረዳ እንድርታ ደርግዓጅን  ዝተባህለት ቁሸት ተወልዱ።
       ስድራ ኣቡነ እንድሪያስ ንብዙሕ ዓመታት ብዘይ ውላድ ጸንሑ ይኹን እንበር ውላድ ስለዘይነበሮም ከየማረሩ ኩሉ ግዜ ናብ እግዚኣብሔር ጸሎቶም የቕርቡ ነበሩ ክልምኑ ከለው ከኣ “ውላድ ሃበና እንበር ንዓኻ ንኸገልግል ክንውፍዮ ኢና” እንዳበሉ ይማጻብዑ ነበሩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ጸሎቶም ከብጽሑ ኣብታ ብስም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተሰምየት ቤተ-ክርስትያን ኣትዮም ይልምኑ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ኣዴና ቅ/ድ /ማርያም ምስ ቅዱሳን መልኣኽት ብዓቢ ብርሃን ተኸቢባ ብብምጻእ “ሰላም ንዓኹም ፍቑራት ደቀይ ካባኹም ዝተሓረየ ህጻን ብገድሉ ዝጸንዐ ብቃል-ኪዳኑ ኣቦ ብዙሓን ዝኸውን ክውለድ’ዩ፡ዕለተ ልደቱ ኣብ ዕለተ ልደተይ ክኸውን ኣብታ ዝምስርታ ገዳም ድማ ብስመይ ቤተ-ክርስትያን ክሃንጽ’ዩ ብምባል ኣበሰረቶም ከምቲ ዘበሰረቶም ድማ ብ 1 ግንቦት 1235 ዓ/ም ግእዝ ተወልዱ። ኣብቲ ዝተወለድሉ መዓልቲ ድማ ብተኣምራት ዓቢ ብርሃን ተራእየ፡ ድሕሪ 40 መዓልቲ ንጥምቐት ናብ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዝመጽሉ ድማ ብተኣምራት ኣነ ብኣብ ብወልድ ብመንፈስ ቅዱስ ይኣምን ብምባል ኣፉ ከፊቱ “ስሞም ድማ መሓረኒ እግዚእ” ተባሃሉ።
     ናይ መብጽዓ ውሉድ ስለ ዝነበሩ ከኣ፡ ኣብ 3ይ ዓመቶም ናብ ቤተ-ክርስትያን ተወፈዩ’ሞ ኣብኡ ን 7ዓመት ብመልኣኽቲ  እናተመገቡ ጸንሑ።
                                          ምንኩስንኦምን ዝገበርዎ ተኣምራትን፥

መሓረኒ እግዚእ ፡ ብድሕሪ’ዚ ነቲ “ ክስዕበኒ ዝደሊ ሂወቱ ይመንን መስቀሉ ጸይሩ ከኣ ይስዓበኒ” ዝብል ቃል ጎይታ ንምፍጻም ንእግዚኣብሔር ብምንኩስና ንምግልጋል ናብ ደበረ ሰሎዳ ዝተባህለ ገዳም ኣተዉ ኣብኡ ከኣ ኣባ ገብረክርስቶስ ዝተባህሉ ባሕታዊ ተቐቢሎም ንዝነበሮም ብቕዓት ተገንዝቦም ኣብ መበል 12 ዓመቶም ኣመንኮስዎም ስሞም ከኣ ማሓረኒ እግዚእ ዝነበረ እንድሪያስ (ተባዕ ኣብ ግዜ መከራ) ተባህሉ። ኣብ ሓጺር እዋን ድማ መዓርገ ዲቁናን ክህነትን ተቐበሉ።

     ኣቡነ እንድሪያስ ተኣምራቶም ካብ ዝውለዱ ኣትሒዞም እኳ  እንተነበረ፡ ኣብዘበነ ምንኩስንኦም  ውን ብዙሕ ዓበይቲ  ተኣምራት ገበሩ።

1- ሓደ እዋን ኣብቲ ዝመንኮስሉ ገዳም (ደብረ ሶሎዳ) ቅዳሴ መሪሖም ኣሃዱ ኣብ ቅዱስ ኣሃዱ ወልድ ቅዱስ ኣሃዱ ወእቱ መንፈስ ቅዱስ ምስ በሉ፡ካብ መሬት እመት ንላዕሊ ተላዕሉ ብትሕቲ እግሮም ከኣ ማይ ፈልፈለ (እዛ ማይ እዚኣ ድማ ክሳብ ሕጂ ትፍልፍልን ንብዙሓት ትፍውስን) ኣላ።ኣብ ብዙሕ ዘዕርፍሉን ዝነብርሉን ዝነበሩ ቦታታት ውን ክሳብ ሕጂ ጸበል ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ማይ ጸሎት ባረኹን ኣፈልፈሉን። ገለ ካብቲ ቦታታት፥

ማይ ጉርጉንዲ (ከባቢ ኣክሱም)

ጭኽ (ከባቢ ትግራይ)

ጉበር (ከባቢ ዴዳ ሓበላ)

እንባለኸ (ከባቢ ሰንዓፈ)

ማይ ምጭቃ (ከባቢ ዓዲ ፈለስቲ)

ምድሪ ዛብያ (ከባቢ ዓዜን)

           ኣቡነ እንድሪያስ ድሕሪ ብዙሕ ተጋድሎ  ኣብ  ኢዮሩሳሌም ተሳሊሞም ሩባ ዮርዳኖስ ተሓጽቦም በረኸት ክካፈሉ ብምባል  ንስግኦም እናቐጽዑ ተበገሱ’ሞ  ኣብ መንገዶም እግዚኣብሔር ተገሊጹ፡ እንድሪያስ ፍቁረይ  ናብ ኢዮሩሳሌም ዘይበጻሕኩ ኢልካ ኣይትሸገር፡ ስጋኻ ዝቕመጠላ ቃል ኪዳንካ  ዝፍጸመላ ቦታ ከርእየካ ኢየ፡ ኣብኣ ማይ ዮርዳኖስ ከፈልፍለልካ  ከም ኢዮሩሳለም ውን ክቆጽረልካ ኢየ’ሞ ስዓበኒ በሎ። ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ድማ ናብዚ ናይ ሕጂ ዓቢ ገዳም ኮይኑ ዘሎ ገዳመ ኣቡነ እንድሪያስ (ዘደብረ ጽገ ሰፍኣ ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ፡ ካብ ድባርዋ ንሸነኽ ምዕራብ ኣብ ሰፍኣ ዝተባህለ ከባቢ ዝርከብ ኣተወ።
2-  ምግዓዝ ጎቦ፦
       ብተወሳኺ  ውን ኣቡነ እንድርያስ ካብዚ ገዳም ወጻኢ  ኣብ ሓበላ ጉበር ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዴዳ  ምስ ኣቡነ ኤውስታቴዎስ  ተራኺቦም ብሓባር  የገልግሉ ኣብ ዝነበሩ ግዜ ኣዴና /ቅ/ድ /ማርያም ተገሊጻ ኣብታ ኣብ ኣስመራ  እትርከብ ቤተ ክርስትያን   ንክትቅዱሱን ነቲ ህዝቢ ንኽትባርኹን ኪዱ ኢላ ኣዘዘቶም፡ መጽሓብቶም ኣብቲ ኣገልጋሊኦም ኣድጊ (ገብርሄር)  ጺዒኖም ተበገሱ’ሞ  ኣብዚ ሕጂ ቁሸት ዝብሃል ዘሎ ቦታ ምስ በጽሑ ጎቦ ምሕላፍ ከልከሎም ፡ ብድሕሪ’ዚ ኣቡነ እንድርያስ  ቃል ቅዱስ ወንጌል (ማቲ 17፡20) ምርኩስ ብምግባር  ብእምነት  ብትእምርተ መስቀል  ነቲ  ዝኸልከሎም  ጎቦ ናብዚ ሕጂ ኣብ ከባቢ ነፋሲት ዓርበ ረቡዕ ዝብሃል ዘሎ ኣግዒዞም  ብሰላም ከይዶም ኣገልግሎቶም ፈጸሙ።እቲ ዝግዓዘ ጎቦ ኣብዚ ግዜ’ ዚ እምባ ጽዮን ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ።

ኣብዚ ገዳም’ዚ` ካብ ዝገበርዎ ተኣምራት ውን፥—-

3 –ማይ ናብ መዓር ዝተቐየረ`

        ኣቡነ እንድሪያስ ናብዚ ገዳም ቅድሚ ምምጽኦም  እዚ ቦታ’ዚ  ስፍራ ኣጋንንትን ኣራዊትን ነበረ’ሞ፡ ባሪኾም ንዝነበሩ ኣጋንንትን ኣራዊትን  ኣባሪሮም ተቐመጥዎ ኣብ ውሑድ እዋን ውን 999 ዝኾኑ ሰዓብቲ  (ኣርድእቲ) ኣፍረዩ፡ እዞም ደቆም  ብፍቕሪ  እንዳገልገሉ ክነብሩ ድሕሪ ምጽናሕ ብዘይ ሰብ  እንዳ ተላኣእኸ መግቢ  ካብ ጎዶቦታት ዘምጽኣሎም ዝነበረ ኣድጊ (ገብርሄር ) ዝተባሃለ  ጸላኢ ሰናያት ኣብ ኣንበሳ  ሓዲሩ ቀተሎሞ ኣብቲ ገዳም ብዙሕ ጥምየት ኮነ  ብድሕሪ’ዚ ኣቡነ እንድርያስ ብጸሎቶም ነቲ ማይ ናብ መዓር ቀይሮም  ይምግብዎም  ነበሩ።
 4- ካብ ሰማይ ዝወረደ መና (ስርናይ ኣርያም )
         ድሕሪ ነዊሕ እዋን እቲ መዓር ምስ ተወደአ ውን ብጸሎቶም  ብሸነኽ ደቡብ ናይቲ  ገዳም  ትርኢቱ ጻዕዳ በረድ  ዝመስል  ስርናይ ሰለስተ  ኩምራ  ካብ ሰማይ ኣውረደሎም  ፡ መስፈሪ ሰሪሖም  ድማ  ብዓቐን  ይምግብዎም   ነበሩ። ን 14 ዓመት ዝኣክል ከኣ ተመገቡ  ብድሕሪ’ዚ ግን ትእዛዘ  ጢሒሶም  ካብ ዝተዋህቦም  ዓቐን ዝያዳ ስለ ዝወሰዱ  እቲ ስርናይ  ተወድአ  ።
  5- ካብ ሰማይ ዝወረደ ወርቂ
          ስርናይ  ኣርያም  ምስ ተወድአ  ውን ደቆም ብጣዕሳ ብሓጢኣቶም  ተኣሚኖም ለመኑ’ሞ  ኣቡነ እንድርያስ ብጸሎቶም  ብወገን  ምብራቕ  ናይቲ ገዳም  ካብ ሰማይ ወርቂ ከም በረድ ኣውረዱ።ነቲ ዝተረከበ ወርቂ ሒዞም  ድማ ብእኽሊ እናለወጡ ቀለቦም ረኸቡ።
                                               ዕረፍቶምን ዝተዋህቦም  ቃል ኪዳንን
        ድሕሪ ብዙሕ መንፈሳዊ ተጋድሎ  ኣቡነ እንድርያስ  ካብዛ ሓላፊት  ዓለም  ናብታ ዘለኣለማዊት  ቤት ዝኸዱላ ነብሶም ዘዕርፈላ ግዜ ምስ ቀረበት ጎይታ ተገሊጹ፥ ጸበልካ ዝገበረ ፡ብስምካ ንድኻታት ዝመጽወተ፡መጽሓፍ ገድልኻ  ዝጸሓፈን ዘንበበን ዝሰምዐን ክምሕረልካ  እየ።
       ነዛ ብስምካ ዝተሰመየት ገዳም ድማ ከም  ኢዮርሳሌም  መቓብረይ ክቆጽረልካ ኣባኣ ውን ንብዙሓት  ሕሙማት ዝፍውስ ማይ ዮርዳኖስ  ከፈልፍለልካ ኢየ በሎም። ብድሕሪ’ዚ  ኣቡነ እንድርያስ ነቶም ደቆም  ነገርዎም ‘ሞ  ምስ መን ትገድፈና ኣለኻ  እንዳበሉ ብዙሕ ሓዘኑ፡ ደቀየ ኣጀኹም ድሕሪ 10 መዓልቲ  ኣኽሊል ሰማዕትነት ተቐብልኩም  ከተርክቡኒ ኢኹም በሎም፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓቢ መንፈሳዊ  ገድሊ  ኣብ መበል 126 ዓመቶም ብ 1 የካቲት  1361 ዓ/ም/ግ ዓሪፎም።

እቶም ኣርድእቲ ውን ድሕሪ 10 መዓልቲ ኣብ ገዳሞም ብኣረመን ተቐቲሎም ብሰማዕትነት ተቐተሉ፡

ሕጂ ውን ኣብዚ ቦታ ሓደ ተኣምራት ተፈጸመ ፥ ደቂ ኣቡነ እንድሪያስ ብሰማእትነት ብኣረሜን ክቕተሉ እንከለው ንሓደ ፈታዊ ኣቡነ እንድሪያስ ኣብ ድባርዋ ዘማሓድር ዝነበረ ራእሲ ሓደራ ሚካኤል ደሞም ከም ትኪ ናብ ሰማይ ክዓርግ ተራኣዮ’ሞ ክረድኦም ሰራዊቱ ሒዙ መጸ። ግን ከርክቦም ኣይከኣለን ተቐቲሎም ጸንሕዎ። ብክብሪ ቀቢርዎም ክምለስ ከሎ ፡ ሓንቲ ጭዃሮ ረሱዑ’ሞ ክወስድዋ ምስ ተመልሱ እታ ሓኽሊ ጭዃሮ ጠጢዓ ገረብ ኮይና ጸንሐቶም። (እታ ገረብ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ገዳም ትርከብ ኣላ )።

እቲ ገዳም ድማ በቶም ካብ ኢትዮጵያ ምስ ኣቡነ እንድርያስ ዝመጹ’ሞ ኣብ ካልእ ኣገልግሎት ዝጸንሑ ሸውዓተ መነኮሳት ተመሊሶም ነቲ ገዳም መስረትዎ።

ከምዚ እናበለ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየት ከደት ፡ብዙሓት ሕሙማት ብፍላይ ሕማም ለምጽን ደውየን ዝፍወስሉ እዩ። ዓመታዊ ክብረ በዓል ድማ ብ 1 የካቲት ይኽበር።

እግዚኣብሔር ናይ ኣቦና ኣቡነ እንድርያስ በርኸት የካፍለና ኣሜን!

ስብሓት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!